20 ሃገራት፣ ብስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተወደበ ወትሃደራዊ ልምምድ ይሳተፋ

20 ሃገራት፣ ብስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተወደበ ወትሃደራዊ ልምምድ ይሳተፋ

Radio Erena: 16 February 2016

Saudi Ecer

ስዑዲ ዓረብ፣ 20 ሃገራት ዝሳተፍኦ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዝወደብት ኣፍሊጣ።

ኣብቲ ‘ናይ ሰሜን ነጉዲ’ ተሰምዩ፣ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ልምምድ ካብ ዝሳተፋ ዘለዋ 20 ሃገራት፣ ሱዳንን ጅቡትን ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይርከብአን።

ካብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፣- ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ግብጺ፣ ቻድ፣ ቱኒዝያ፣ ኮሞሮስ ኣይላንድ፣ ሰኔጋል፣ ሞሪታንያን ሞሪሸስን ትሽዓተ ሃገራት’የን ዝሳተፋ ዘለዋ።

 

ካብ ሃገራት ዓረብ ከኣ ሕቡራት ኢማራት፣ ባሕሬን፣ ቀጠር፣ ዖማን፣ ኩዌትን ዮርዳኖስን ሽዱሽተ ሃገራት ካብ ኤስያ ከኣ ፓኪስታንን ማሊዥያን ኣብ ወትሃደራዊ ልምምድ ናይ ሰሜን ነጉዲ ተጸንቢረን ዘለዋ’የን።

እዘን ሃገራት መሻርኽቲ ናይቲ ብስዑዲ ዓረብ ኣንጻር ሑቲ ናይ የመን ዝቖመ ወትሃደራዊ ልፍንቲ ኣብ ርእሲ ምዃነን፣ ኣባላት ናይቲ ድሕሩ ዝቖመ 34 ሃገራት ዝሓቖፈ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ’የን።

ኣባል እዚ ኪዳን ዝኾነት ኤርትራ ኣብዚ ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ልምምድ ናይ ሰሜን ነጕዲ ኣይተጸንበረትን።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0