19 ግንቦት ኣብ ጂዳ ዝካየድ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ክዝቲ’ዩ

Radio Erena: 15 May 2023

ንዓርቢ 19 ግንቦት፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ጂዳ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ስሩዕ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ክዝቲ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ 22 ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ማሕበር፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክልተ ሓይልታት መርገጺኡ ከነጽር ትጽቢት ከምዘሎ መርበባት ዜና ዓረብ ጠቒሰን።

ማሕበር ሃገራት ዓረብ፣ ካብ 2011 ኣትሒዙ ካብ ኣባልነት ገሊሉዋ ንዝጸንሐ ሶርያ፣ ዳግም ክትጽንበር ድሕሪ ምውሳኑ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፣ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጤምን ዝካየድ ዘሎ ግጭት’ውን ክዝትየሉ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

በብረብሐአን ዝተፈላለየ ውልቃዊ ፖለቲካዊ መርገጺታት ዝሓዛ ሃገራት ዓረብ፣ ኣብ ውሽጣውን ዞባውያን ጉዳያት
ክከፋፈለ ‘የን ዝርኣያ።

ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ 1945’ዩ ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ተመስሪቱ።

ኤርትራ እትርከበን ሓሙሽተ ሃገራት ድማ ብደረጃ ተዓዘብቲ፣ ኣባላት እቲ ማሕበር ምዃነን ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0