18 መስከረም፣ መበል 15 ዓመት ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ ይዝከር

Radio Erena: 12 September 2016

18sep

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብምዕጻው ንኣዳለውተንን ጋዜጠኛታትን ከምኡ ድማ ጽገናዊ ለውጢ ንዝጠለቡ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናቱ ነበር ብኣልማማ ብምቕያድ፣ ሃለዋቶም ዘጥፍኣሉ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ፣ መበል 15 ዓመቱ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ይዝከር ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ 18 መስከረም ብመንገዲ ማዕከን ዜንኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፣ ካብ 18 መስከረም 2001 ኣትሒዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ደው ከምዝበላ ብምሕባር፣ ንኣዳላውተንን ጋዜጠኛታትን ከካብ ዝነበርዎ እናሃደነ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘእተዎም ይዝከር።

 

እዞም ኣደለውቲ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን፣ ከምኡ ድማ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ነበርን ናብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝኣተወሉ ኣብ ወርሒ መስከረም 2001 ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን፣ መንግስቲ እባ ልዕሊኦም ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ከምዘይተኸተልን ይፍለጥ።

ካብኡ ዝበኣሰ ከኣ እቲ መንግስቲ፣ ነዞም ዜጋታት ኤርትራ ስድራቤታቶም ከይበጽሕዎምን ሃለዋቶም ንኸይፈልጡን ሃለዋቶም ከምዝጠፍኡ ጌርዎም ይርከብ።

ሓያሎ ካብዞም ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን ነበረን፣ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ኣተሓሕዛ እቲ ስርዓት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዝግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምስ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ግና ብምሉኦም ብህወይት ኣለዉ ክብል ገሊጹ’ዩ።

እንተኾነ መግለጺ እቲ ሚኒስተር ካብ ወጻእተኛታት ይኹን ካብ ኤርትራውያን ተኣማንነት ከምዘይረኸበ ይፍለጥ።

ጋዜጠኛታትን ሰበ ስልጣን ነበረን ን15 ዓመታት ደሃዮም ከምዝጠፍኡ ዝገበረ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞ ዘሎን ኣረሜናዊ ተግባራት፣ ቅድሚኡ ዝነበሩ ናይ መግዛእቲ ስርዓታት ዘይፈጸምዎ ምዃኑ ዘተሓሳሰቡ ሓያሎ ኤርትራውያን ከኣ፣ 18 መስከረም ዝኽሪ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ስርዓት ህግደፍ ክትከውን ንወለዶታት ክትሰጋገር ለበዋታት ኣመሓላሊፎም።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0