15 ሓምለ ኣብ ዝጅምር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ዝሳተፉ ኤርትራውያን ኣትሌታት 11 በጺሖም

Radio Erena: 21 June 2022

ካብ 15 ክሳብ 24 ሓምለ፣ ኣብ ኣመሪካ፣ ክፍለ ግዝኣት ኦሬጎን ዝካየድ ውድድር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ንምስታፍ፣ ዘድሊ መምዘኒ ግዜ ወይ ከኣ ሚኒማ ናይ ዘማልኡ ኤርትራውያን ኣትሌታት ቁጽሪ፣ 11 በጺሑ።

እቶም ናብ’ዚ ንመበል 18 ግዚኡ ዝሳለጥ ውድድር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ዘሳትፍ ትኬት ቆሪጾም ዘለዉ ኣትሌታት፡

• ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂተባዕትዮ፣- ኦሎምፒካውያን ኣትሌታት ግርማይ ገብረስላሴ፡ ህዝቕኤል ተወልደ፡ ዑቕበ ክብሮም፡ ጎይትኦም ክፍለን ኣትሌት ፊልሞን ዓንደን፡
• ኣብ ውድድር ማራቶን ደቂኣንስትዮ፣- ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፡
• ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ10 ሽሕ ሜትር ደቂተባዕትዮ፣- ኣትሌት ሃብቶም ሳሙኤል፡
• ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 5 ሽሕ ሜትር ደቂተባዕትዮ፣- ኣትሌት መርሃዊ መብራህቶም፡
• ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 3 ሽሕ ሜትር መሰናኽል፣- ኦሎምፒካዊ ኣትሌት የማነ ሃይለስላሴ፡
• ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 10 ሽሕ ሜትር ደቂኣንስትዮ፣- ኦሎምፒካውያን ኣትሌታት ራሄል ዳንኤልን ዶልሺ ተስፉን እየን።
• ራሄል ዳንኤል ብዘይካ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትር፡ ኣብ ናይ 5 ሽሕ ሜተር ርሕቀት’ውን ክትወዳደር እያ።

ኣብ’ዚ ዝቕጽል 5 መዓልታት፣ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣትሌት፡ ናብ`ዚ ዓቢ ውድድር ከእትዎ ዝኽእል ሚኒማ እንተድኣ ረኺቡ፡ ቁጽሪ ኣብ መበል18 ውድድር ሻምፕዮን ኣትለቲክስ ዓለም ዝሳተፉ ኤርትራውያን ኣትሌታት ካብ 11 ንላዕሊ ክብ ክብል ተኽእሎ ኣሎ።

እዞም ብኣሰልጠንቲ ሊቪንግስቶን ኣብረሃምን በርሀ ኣስገዶምን እናተመርሑ፣ ድሮ ልምምድ ጀሚሮም ዘለዉ 11 ኣትሌታት፡ ኣቐዲሞም ኣብ ውድድር ኣትለቲክስ ዓለምን ኤርትራን ዝተፈላለየ ክብሪ ዝረኸቡ እዮም።

ንዝርዝር ናይቲ ኣቐዲሞም ዝረኸብዎ ክብርታት ድሕሪ ዜና ኣብ ዝቐርብ መደብ ስፖርት ክትከታተሉ ኣቐዲምና ነዘኻኽረኩም።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0