15 ጀርመናውያን ምስ ኣልሸባብ ተጸንቢሮም

15 ጀርመናውያን ምስ ኣልሸባብ ተጸንቢሮም

Radio Erena: 19 May 2015

Alshe

ብውሕዱ 15 ጀርመናውያን ኣብ ሶማል ምስ ዝመደበሩ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ተጸንቢሮም ምህላዎም ኣብ ሙኒክ እትሕተም መጽሔት ‘ፎካስ’ ኣቃሊዓ።

እታ መጽሔት ነዚ ዘቃልዐት፣ ፈደራላዊ ኣኽባር ሕጊ ጀርመን ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ቦን ዝምቕማጦም ሽዱሽተ ዜጋታት እታ ሃገር ምስ ኣልሸባብ ኢድ ከምዘለዎም ብምጥርጣር መርመራ ድሕሪ ምክያዱ’ያ።

 

ሓሙሽተ ካብቶም መርመራ ዝተኻየደሎም ሽዱሽተ ክሱሳት፣ ኣብ ሶማል ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ታዕሊም ከምዝወሰዱን፣ ብኣተቓቕማ ቦምባ ኢድን ተፈንጀርትን ብፍሉይ ዝሰልጠኑን’ዮም።

ብመሰረት ኣብታ መጽሔት ቀሪቡ ዘሎ መጽናዕታዊ ጸብጻብ፣ ካብ 2008 ክሳብ 2014፣ ኣስታት 30 ጀርመናውያን ናብ ሶማል ብምምልላስ ምስ ኣልሸባብ ተጸንቢሮም።

ገለ ካብቶም ምስ ኣልሸባብ ዝተጸንበሩ ጀርመናውያን’ውን ኣብ ኬንያን ሶማልን ኣብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብቀጥታ ኢድ ከምዝነበሮም ጸብጻብ እታ መጽሔት ይጠቕስ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ብናይ ግዳም ሓይልታት ተደጊፉ ኣብ 2014 ኣብ ዘካየዶ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ፣ ገለ ካብቶም ምስ ኣልሸባብ ተጸንቢሮም ዝነበሩ ዜጋታት ጀርመን ናብ ኬንያ ከምዝሃደሙን፣ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ድሕሪ ምትሓዞም ድማ ናብ መንግስቲ ጀርመን ከምዝተረከቡን እቲ ናይ መጽሔት ፎካስ ሓበሬታ የረድእ።

ምስ ኣልቓዒዳ ከምዝሓበረ ብወግዒ ዘፍለጠ ኣልሸባብ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣሰር ዳዒሽ እናተኸተለ ይመጽእ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0