ሕ.ኤ. ንመንግስቲ ኤርትራ ዝለገሶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ምስ ግዱድ ዕስክርና ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎ’፤ ኒውዮርክ ታይምስ

Radio Erena: 12 January 2020
ሕብረት ኤውሮጳ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝለገሶ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ምስ ግዱድ ዕስክርና ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ’ዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ወገናት መረረኦም ይገልጹ ኣለዉ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ 20 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝገበረ እኳ እንተገለጸ፣ ድሒሩ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ ግና፣ ተወሳኺ ናይ 95 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ሰሊዑ ከምዘሎ እዩ ዘመልክት።

እዚ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝወሃብ ዝሎ ሓገዝ ንወደብ ምጽዋዕ ምስ ኢትዮጵያ ንምርኻብ ኣብ ዝስራሕ ናይ ጽርጊያ መስመር ዝውዕል ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ ምስራሕ’ቲ መስመር ጽርጊያ ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ከካዪዶ ዝጸንሐ፣ ብጉልበት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጸም ስለዝኾነ፣ እቲ ፋይናንስያዊ ሓገዝ ነዚ ምዝመዛ ናጻ ጉልበት ዘተባብዕ ምዃኑ፣ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ይገልጽ።

እቲ ማዕከን ዜና ንሕብረት ኤውሮጳ ተወኪሱ ኣብ ዝረኸቦ ምላሽ፣ እቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝወሃብ ሓገዝ፣ ኣብ ትሕቲ ‘ህጹጽ ረዲኤት’ ስለዝምደብ፣ ምጽብጻብ ዘይብሉን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር መንግስቲ ኤርትራ ከምዝኸውንን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ ኩሉ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ግዱድ ዕስክርናን ንዓመታት ክኽሰስ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ክነሱ፣ ‘’እቲ መንግስቲ እንተፈቒዱ ጥራይ ኢና ተዓዚብና ክንወጽእ’’ ዝብል ምላሽ ምሃብ ንኩነታት ኤርትራውያን ብሸለልትነት ምርኣይ እዩ፣ ክብል’ዩ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ዝትንትን።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብቲ ንወደባት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ መስመር ጽርግያ ክንደይ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፉ’ዮም፣ ደሞዞም ክንደይ ክኸውን’ዩ፣ ዝብልን ካልእ ንድሕነቶም ዝምልከት ሕቶታትን፣ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይተዋህቦ እዩ ዝገልጽ።

እዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ምግታእ ዝብል ፖሊሲ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ በቲ ሓቀኛ መልክዑ ዘይምርኣይ እዩ ክብሉ ኤውሮጳውያን ዲፕሎማሰኛታት ክኸሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ነዚ ብዝምልከት ንዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ እቲ ሕብረት ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዘይድግፍ፣ ሰብኣዊ መሰላት ከኣ መሰረታዊ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ምዃኑ እዩ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብሕብረት ኤውሮጳ ተመዊሉ ዝስራሕ መስመር ጽርጊያ፣ ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከካዪዶ ምዃኑ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብወግዒ ነቲ ሕብረት ከምዘፍለጦ፣ ዲፕሎማስያዊያን ምንጭታት ይገልጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ፣ ‘ረዲኤት ከይተጸበና፣ ብጽፍርና ሃገርና ክንሃንጽ ኢና’ ዝብል ጎስጓስ ዘካዪድ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሃገራት ኣዕራብን ካልኦት ምዕራባውያንን፣ በብእዋኑ ረዲኤት ክቕበል ምጽንሑ፣ ጸብጻባት የመልክቱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    መርጎድ ክሳድ ንስርዓ ህግደፍ አምበር ንህዝብና ሲ ወጽዓ እዩ ሞ እዚ ነገር እዚ ኪከውን የብሉን እየ ዚብል