100 ሽሕ ቴንዳታት ተኺላ ዘላ ስዑዲ ዓረብ፣ ሓደ ሶርያዊ ስደተኛታ’ውን ይኹን ከምዘይትቕበል ገሊጻ

100 ሽሕ ቴንዳታት ተኺላ ዘላ ስዑዲ ዓረብ፣ ሓደ ሶርያዊ ስደተኛታ’ውን ይኹን ከምዘይትቕበል ገሊጻ

Radio Erena: 16 September 2015

Saudi tent

ጉዳይ ዋሕዚ ሶርያውያን ስደተኛታት ብደረጃ ዓለም ኣዛራቢ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ 100 ሽሕ ትርሕU ቴንዳታት ዘርጊሓ ዘላ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ ስደተኛ ከምዘይትቕበል ምግላጻ ተነቒፋ።

እታ እስላማዊት ሃገር፣ ኣብ እዋን ሓጅ ናብ መካ ንዝጓዓዙ በጻሕቲ ከም መጽለሊን ግዝያዊ መጽንሕን ተባሂሉ ብዘመናዊ ኣገባብ ዝተሃንጸ ኣስታት 3 ሚልዮን ሰባት ክሕዝ ዝኽእል 100 ሽሕ ቴንዳታት ተኺላ እኳ እንተላ፣ ሓደ’ውን ይኹን ስደተኛ ሶርያ ንምቕባል ፍቓደኛ ብዘይምዃና፣ ሰብኣውነትን ርህራሄን ካብ ዘይብለን ሃገራት ዓለም እናተባህለት’ያ ትንቐድ ዘላ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጉዳይ ሶርያ ተገዳስነት ከምዘለዋ ንምርኣይ ትሕልን እኳ እንተኾነት በንጻሩ ድማ ንጉዳይ እዞም ፈቐዶ ሃገራት ዝበታተኑ ዘለዉ ሶርያውያን ቆላሕታ ኣይገበረትሉን።

 

ስዑዲ ዓረብ ጥራይ ዘይኮነት ከም ቀጠርን ኩዌትን ዝኣመሰላ ሃገራት ወሽመት ዓረብ’ውን ሶርያውያን ስደተኛታት ንምዕቋብ ፍቓደኛታት ኣይኮናን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ዝስደዱ ናይ ዘለዉ ሶርያውያን ብዝሒ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ከምዝበጽሐ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ሃገራት ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ጀርመን፣ ፈረንሳን ሽወደንን ነዞም ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ንምዕቋብ እጃመን ከበርክታ እንከለዋ፣ ዝበዝሓ ሃገራት ግና ዶባተን ብ ምዕጻው ተዋፊረን ኣለዋ።

ብፍላይ እተን ብነዳዲ ሃብታማት ዝኾና ሃገራት፣ ብዘይካ ኣብ ጉዳይ ሶርያውያን፣ ፍልስጤማውያን ብብዝሒ ኣብ ዝስደድሉ ዝነበሩ እዋን’ውን ዶባተን ብምዕጻይ ንሰብኣዊ ቅልውላው እቲ ዞባ ብስቕታ ምዕዛበን ይዝከር።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣይኮነን ካብ ካልኦት ሃገራት ስደተኛታት እናምጽአት ከተጣይስ፣ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ዑቕባ ንዝሓተቱዋ’ውን፣ ካብታ ሃገር ክሳብ ዝወጹ ኣብ ቀይዲ ከምእተጽንሖም ይፍለጥ።

==============================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0