“ 10% ካብ ህዝቢ ኤርትር ኣብ ስደት’ዩ ዝነብር “

Radio Erena: 20 February 2020

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዝቕጽል ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርናን ሕሱም መነባብሮ ምልኪን፣ ስደተ ኤርትራውያን ግኑን ተርእዮ ምዃኑ ሁማን ራይስት ዎች ገሊጹ።

እቲ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብምትኳር ብ18 ለካቲት ንዝተጋብአ ኮሚተ ፓርላማ ኤውሮጳ ኣብ ምዕባለ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ዓመታዊ ኣብ ዘካይዶ መጽናዕቲ ምምሕያሽ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘይተራእየ ኣነጺሩ።

ንልዕሊ 15 ዓመታት ደሃዮም ዝጠፍአ ናይ እምነትን ፖለቲካን እሱራት ከም ኣብነት ብምጥቃስ ጸብጻቡ ዘቕረበ እቲ ትካል፣ ኣብታ ሃገር ብዘሎ ኩነታት ተስፋ ዝቖረጸ ህዝቢ ዋሕዚ ናብ ስደት ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ይወስዶ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

10% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ከምዝነብር ድማ ንጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣረዲኡ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣሽሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍታሓ ዘዘኻኸረ እቲ ትካል፣ ምስታ ሃገር ናይ ሰላም ርክብ ዝጀመረት ኤርትራ ግና ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝተፈትሐ ናይ ፖለቲካ እሱር ከምዘየለ ኣመልኪቱ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ርክብ ካብ ዝጀመርሉ እዋን ኣትሒዙ፣ ብወገን ኤርትራ ዝኾነ ለውጢ ክመጽእ ብዘይምኽኣሉ፣ ዋሕዚ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያ ወርሓዊ ናብ ልዕሊ 6 ሽሕ ዓሪጉ ከምዘሎ ጸብጻብ UNHCR የነጽር።

ኮሚተ ፓርላማ ኤውሮጳ ኣብ ምዕባላ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ምስማዕን ምዝታይን ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ዝህቦ ልምዓታዊ ሓገዝ ቅድመ-ኩነት ክስርዓሉ ተላብዩ።

ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምዝታይ ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ መደብ ከምዘለዎ’ውን ኣረጋጊጹ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0