1 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና፣ ን5 ዓመታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተንሳፍፍ ዘላ መርከብ፣ ክትፍንጀር ከምእትኽእል ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

Radio Erena: 02 July 2020

1 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና፣ ንሓሙሽተ ዓመታት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መዐሸጊ ዝሰኣነት መርከብ፣ ክትፍንጀር ከምእትኽልእ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

እታ ንብረት መንግስቲ የመን ዝኾነት መርከብ፣ ኣብ 2015 ነዳዲ ጽዒና ኣብ እትብገሰሉ ዝነበረት እዋን፣ ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ የመን ብዘጸንዐኦ እገዳ’ያ ኣብ ባሕሪ ተዓጊታ ደው ኢላ።

እታ መርከብ ጽዒናቶ ዘላ ነዳዲ ከተራግፍ፣ ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝተኻየደ ጻዕርታት ክሰምር ዘይክኣለሉ ምኽንያት፣ ሑቲን ናይ ስዑዲ መላፍንትን ሓድሕዶም’ዮም ዝካሰሱ።

ሑቲ፣ ኣስታት 80 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ዋጋ ናይቲ ነዳዲ ክኽፈሎ’ዩ ዝሓትት።

ኣብዚ እዋን’ዚ እታ መርከብ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምእትርከብ መጠንቀቕታ ዘቕርብ ዘሎ ሕቡራት ሃገራት፣ ላሕኵ ነዳዲ የጋጥማ ብምህላዉ ከይትፍንጀር ስግኣቱ ገሊጹ።

ሓደ ሚልዮን በርሚል ዝኣከል ነዳዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እንተፈሲሱ፣ ኣብ ኣከባቢ ከቢድ ዕንወት ከውርድ ከምዝኽእል ‘ውን ኣጠንቂቑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0