ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምስንባቱ ምክትሉ ነበር ኤመርሰን ምናንጋዋ ክትክኦ ምዃኑ ተሓቢሩ

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምስንባቱ ምክትሉ ነበር ኤመርሰን ምናንጋዋ ክትክኦ ምዃኑ ተሓቢሩ

Radio Erena: 23 November 2017

mnangawaን37 ዓመታት ንዚምባብዌ ዝመርሐ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ብ21 ሕዳር ብወግዒ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምስንባቱ፣ ንኣስታት ክልተ ቅነ ኣብ ስደት ዝጸንሐ ምክትሉ ነበር ኤመርሰን ምናንጋዋ ክትክኦ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ካብ ሃራረ ሓቢረን።

ወዲ 93 ዓመት ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ሰራዊት እታ ሃገር ስልጣን ንምስግጋር ብዝወሰዶ ተበግሶ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እኳ እንተኣተወ፣ ብምቕሉል ኣገባብ መዝነቱ ክሓድግ ንዝተገብረሉ ዕድመ ግና ክነጽጎ’ዩ ጸኒሑ።

ካብ መሪሕነትን ኣባልነትን ገዛእ ሰልፉ ዛኑ ፒኤፍ’ውን ዝተሰጎገ ሮበርት ሙጋበ፣ ብምቕሉል ኣገባብ ስልጣኑ ክሓድግ ንዝተገብረሉ ዕድመ እንተነጺጉ፣ ቅዋም እታ ሃገር ብዝፈቕዶ መንስርሕ፣ ብዘይክብሪ ክግለፍ ከምዝኽእል’ዩ ፓርላማ ኣጠንቒቕዎ።

ፓርላማ፣ ነቲ ፕረዚደንት ንምግላፍ ናይ ሓደ መዓልቲ ህጹጽ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱ ግና ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ነቲ ዝቐረበሉ ብምቕሉል ኣገባብ ናይ ምፍናው ዕድመ ብምቕባል፣ ካብ ስልጣኑ ተሰናቢቱ ኣሎ።

ቅድሚ ክልተ ቅነ ብፕረዚደንት ሙጋበ ካብ ስልጣን ዝተሰጎገ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ኤመርሰን ምናንጋዋ፣ ምእንቲ ድሕነቱ ናብ ስደት ኣምሪሑ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብቲ ስልጣን ናይ ምስግጋር መስርሕ ንምስታፍ ብሮቡዕ 23 ሕዳር ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ምናንጋዋ፣ መሪሕነት ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍን ስልጣን ሃገርን ክርከብ ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን ከኣ፣ ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ሰባትን ስልጣኖም ምቅይያርን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ስርዓትን ፖሊሲታትን ለውጥን ጽገና’ውን ክካየድ ይጠልቡ ኣለዉ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0