ፖርት ሱዳን፣ ንሽዱሽተ ሰሙን ዝቐጸለ ወደብን ኣውራ መንገድታትን ናይ ምዕጻው ኣድማ ደው ኢሉ

Radio Erena: 02 November 2021

ኣብ ፖርት ሱዳን፣ ንወርሕን ክልተ ቅነን ዝቐጸለ፣ ወደብን ኣውራ መንገድታትን ናይ ምዕጻው ኣድማ ደው ከምዝብል ዋና ጸሓፊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ ናዚሪስ፣ ዓብደላ ኣቡሻር ኣፍሊጡ።

ካብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ኣትሒዙ፣ ነቲ ኣድማ ክካየድ ጸዊዑ ዝጸንሐ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ፣ ካብ ባሕቲ ሕዳር ኣትሒዙ ደው ከምዝብል ዝገለጸሉ ምኽንያት፣ ንምእላይ ሲቪላዊ መሰጋግሪ መንግስቲ ብወትሃደራዊ ጉጅለ ብምድጋፍ’ዩ።

እቲ ኣድማ፣ ሓድሽ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት ንግዜኡ ደው ኢሉ ከምዘሎ ዝገለጸ ዋና ጸሓፊ እቲ ቤት ምኽሪ፣ ካልኦት ዘቕረቦም ጠለባት ክሳብ ዝማልእኩ ድሕሪ ወርሒ ደጊሙ ክካየድ ምዃኑ ኣጠንቒቑ።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤጃ ካብ ዘቕረቦም ጠለባት፣- ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክእለ፣ ኣብ ጥቅምቲ 2020 ኣብ ጁባ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ሱዳን፣ ዳግመ ዘተ ክካየደሉን፣ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ምዕሩይ ዝርግሐ ካብ ጸጋታት ዝርከብ ሃብቲ ክህልዎን ይርከቦ።
======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0