ፖርት ሱዳን፣ ብዝተፈጸመ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 4 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

Radio Erena: 11 July 2021

ኣብ ሱዳን፣ ወደባዊት ከተማ ቦርት ሱዳን ብዝተፈጸመ ናይ ቦምብ መጥቃዕቲ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከን ዜና ኣል ሱዳኒ ሓቢራ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ኣብታ ከተማ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ናይ ስፖርት ማእከል፣ ናይ ኢድ ቦምባ ብምድርባይ ከምዝተፈጸመ’ዩ ተመልኪቱ።

ክልተ ናይ ኢድ ቦምባ ናብቲ ናይ ስፖርት ክለብ ዝወርወሩ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት፣ ኣብቲ ከባቢ ናይ ጠበናጁ ተዅሲ ብምኽፋት፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዘቑሰሉ እታ ማዕከን ዜና ገሊጻ።

ብቀዳም፣ ነትጕ ከምዝሰምዑ ዝሓበሩ ነበርቲ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝተኻይድሉ ከባቢ፣ ዛጊት እንታይ ምዃኑ ክፈልጡ ከምዘይክኣሉ ኣገንዚቦም።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ይኹን ፈጸምቱን ዒላማኦምን ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።
======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0