ፖርት ሱዳን፣ ቀቢላዊ ግጭት ብውሕዱ 9 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 09 January 2020

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ከባቢ ከተማ ፖርት ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቤን ዓሚርን ሃዳንደዋን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 9 ሰባት ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ሓቢሮም።

በቲ ኣብዚ ሳልስት’ዚ ዝተጎሃሀረ ግጭት ልዕሊ 100 ሰባት’ውን ብከቢድን ፈኵስን ቆሲሎም።

ኣብ ፖርት ሱዳን፣ ኣብ መንጎ’ዞም ክልተ ቀቢላታት ጸጸኒሑ ግጭታት ኣብ ዝጎሃሃረሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ሰዓታት እቶ እቶ ኣዊጁ እኳ እንተሎ፣ እቲ ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ክሃድእ ከምዘይክኣለ ይሕብር።

መንግስቲ ሱዳን፣ ናብቲ ዞባ ተወሳኺ ሓይልታት ጸጥታ ልኢኹ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነቲ ግጭታት ንምፍታሕ ምስ ዓበይቲ ዓድን ሓይልታት ጸጥታን ተደጋጋሚ ዘተ ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ቀቢላዊ ግጭታት ዝምልከት ዓውደ ዘተ፣ ካብ 11 ክሳብ 13 ጥሪ፣ ኣብ ካርቱም ክካየድ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0