ፖሊስ ፈረንሳ፣ ኣብ ፓሪስ ንዝርከብ፣ መንበሪ ቤት ጓል ፕረዚደንት ጂቡቲ ፈቲሾም

Radio Erena: 10 May 2022

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ከተማ ፓሪስ ንዝርከብ፣ መንበሪ ቤት ጓሉ ንፕረዚደንት ጂቡቲ ከምዝፈተሹ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ፈረንሳ ዝምቕማጦም ስድራቤት ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ካብ 2018 ኣትሒዞም ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ተኸሲሶም፣ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይርአ ምህላው ይፍለጥ።

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ካብ ቤት ፍርዲ ብዝተዋህቦ ትእዛዝ መሰረት፣ ብ14 መጋቢት፣ ንመንበሪ ቤት ጓል እቲ ፕረዚደንት ዝኾነት፣ ፋጡማ ኣዎ እስማዒል ዑመር፣ ከምዝፈተሹ ‘የን እተን መርበባት ድሒረን ንዝረኸብኦ ሓበሬታ ኣቃሊሐን።

ነቲ ናይ ብልሽውናን ምጥፍፋእን ክሲ ዝመስረተ፣ ‘ሸርፓ’ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል፣ ስድራቤት ናይቲ ን23 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ ኣብ ፓሪስ ጥራይ ብውሕዱ ኣርባዕተ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝውንኑ’ዩ ዝገልጽ።

እዚ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ ዘሎ ምጽራይ ክሲ ብልሽውና ስድራቤት ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ንዝምድና ጂቡቲን ፈረንሳን ብኣሉታ ክጸሉ ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0