ፖሊስ እስራኤል፣ ኣብ ዘካየድዎ ግፋ 400 ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ የእትዮም

ፖሊስ እስራኤል፣ ኣብ ዘካየድዎ ግፋ 400 ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ የእትዮም

Radio Erena: January 2, 2014

Israel Gifa

ፖሊስ እስራኤል ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ብዘካየድዎ ግፋ፣ ኣስታት 400 ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብ ቴልኣቪቭ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እስራኤል፣ ንስደተኛታት ናይ ምግፋፍን ኣብ ሓደ ክፉት መዳጎኒ መዓስከር ናይ ምሓዞምን መስርሕ ኣብ ግብሪ ምውዓል ካብ ዝጀመረሉ፣ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ነቲ ዕማም ንምስላጥ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ገንዘብ ብምስላዕ ልዕሊ 500 ተወሰኽቲ ፖሊስ ኣዋፊሩ ይርከብ።

 

እዞም ስደተኛታት ንምግፋፍ ተዋፊሮም ዘለዉ ኣባልት ፖሊስ እስራኤል ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት’ውን ገዛ ገዛ እናኣተዉ ይፍትሹን ይገፉን ምህላዎም’ዩ ዝግለጽ።

መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ኣብታ ሃገር ብግዜያውነት መንበሪ ፍቓድ ወይ ቪዛ ዝሕደስሉ ሰዓታት ኣብ ርእሲ ምጽባቡ፣ ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ጥራይ ክኸውን ወሲኑ ኣሎ።

እዚ ድማ ብሰንኪ ምሕዳስ ቪዛ ስደተኛታት ክጨናነቕን፣ ቪዛ ዘየሐደሰ ድማ ተገፊፉ ናብቲ ክፉት መዳጎኒ መዓስከር ንኽውሰድን ዝተኣታተወ ሜላ ምዃኑ ዝተረጋገጸ’ዩ ክብል ወኪል ሬድዮ ኤረና ኣረዲኡ።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ምስ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብምትሕብባር፣ ነዚ መንግስቲ እስራኤል ጀሚርዎ ዘሎ ግፋን ተወሳኺ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ብምቅዋም ሰልፊ ክውድቡን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከካይዱን ምዃኖም’ውን ኣሚቱ።

ኣብቲ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ ድማ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያንን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክሳተፉ ወደብቲ ይምሕጸኑ።

===================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0