ፖሊስ ሱዳን ኣብ ስዋኪን ዝሓዞም 20 ኤርትራውያን ንምምላሶም ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ይዘራረብ

ፖሊስ ሱዳን ኣብ ስዋኪን ዝሓዞም 20 ኤርትራውያን ንምምላሶም ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ይዘራረብ

Radio Erena: 25 July 2016

Swakin

መንግስቲ ሱዳን ብመንገዲ ስዋኪን፣ ብጃልባ ዝኣተዉ 20 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ንምምላሶም ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ይዘራረብ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ኣብ 16 ሓምለ ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ኤርትራውያን ምስ ኣስገሮም ራሻይዳ 27 እኳ እንተነበሩ፣ ናይቶም 7 ሃለዋት ግና ኣይተፈልጠን።

ኣብ ስዋኪን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሕሉ፣ ንነፍሲ ወከፎም 3 ሽሕ ፓውንድ ሱዳን ክቕጽዑ ድሕሪ ምፍራዶም መንግስቲ ሱዳን ናብ ካርቱም ኣሰጋጊርዎም ኣሎ።

 

እቲ መንግስትትቲ ናብ ኤርትራ ንምርካቦም ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ከምዝጀመረን ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኢብራሂም እድሪስ ንምጥራዞም ይጓየ ከምዘሎን እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ጠቒሶም።

ሱዳን ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት 40 ዝኮኑ ኤርትራውያን ጠሪዛ ከምዘላ’ውን ኣመልኪቶም።

መንግስቲ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገሩ ንዝኣቱ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት እናገፈፈ ንምጥራዞም ይሰርሕ ምህላዎ ብተደጋጋሚ ክትቐስ ጸኒሑ’ዩ።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0