ፖሊስ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ዝጸንሑ 177 ስደተኛታት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ

ፖሊስ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ዝጸንሑ 177 ስደተኛታት ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 06 March 2018

sdet

ፖሊስ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ዝጸንሑ፣ 27 ደቂንስትዮ ዝርከብኦም 177 ስደተኛታት ከምዝሓዘ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ካርቱም፣ ኣብ ሽዱሽተ ገዛውቲ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ስደተኛታት ብመንገዲ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮፓ ንምስጋር ዝሓለኑ ምዃኖም ጸብጻብ እቲ ኣገልግሎት ዜና የመልክት።

ፖሊስ ሱዳን ኣብቲ ዘካየዶ ስርሒት፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ተዋፊሮም ከምዝጸንሑ ንዝጠርጠሮም ሰለስተ ሱዳናውያንን ንምስግጋር ክጥቀሙላ ዝጸንሑ ሓንቲ መኪናን ጠበናጁን ከምዝሓዘ’ውን ሓቢሩ።

እቶም ን21 መዓልታት ኣብ ገዛውቲ ተዓጽዮም ዝጸንሑ ስደተኛታት ዜጋታት ናይ ኣየኖት ሃገር ምዃኖም ኣይተሓበረን።

ይኹን’ምበር፣ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብመንገዲ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር፣ ካርቱም ከም ኣውራ መሰጋገሪ ከምዝጥቀሙላ ይፍለጥ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ሊብያን ቱኒዝያን ምስ ዝርከብአን ሃገራት ኣፍሪቃን ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳን ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዘተኮረ ርክባት የካይድ ከምዘሎ ይገልጽ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0