ፕ. ኣል ሲሲ፣ ንጉዳይ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ናብ መራሕቲ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ መልእኽቲ ይሰድድ

Radio Erena: 19 April 2020

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ፣ ንጉዳይ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ናብ መራሕቲ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ መልእኽቲ ይሰድድ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሹክሪ ብኣካል እንዳዞረ ዘብጽሖ ዘሎ እዚ ካብ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ዝተላእከ ደብዳቤ፣ ኢትዮጵያ ንኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ድሕሪ ምስሓባ ዝተፈጥረ ወጥሪ ሰማይ ዓሪጉሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ።

እቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ባንክ ዓለምን ዝተማእከለ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ዘተ፣ ኣመሪካ ምስ ግብጺ ብምውጋና፣ ኢትዮጵያ ክትስሕብ ከምዝተገደደት እያ ትገልጽ።

እዚ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ዘመሓላልፎ ዘሎ መልእኽቲ፣ ናብ ታንዛንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሩዋንዳ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ደቡብ ሱዳንን ኒጀርን ዘጠቓለለ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ’ዩ ክብሉ ዲፕሎማስያውያን ተንተንቲ ይገልጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ፣ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ናብ ጅቡቲ፣ ሶማልን ኣልጀሪያን ከምዝተላእከ ዘመልከቱ እቶም ዲፕሎማሰኛታት፣ ካልኦት ሰበስልጣን ግብጺ ናብ ቱኒዝያን ሞውሪታንያን እውን ከምዝበጽሑ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ካብቲ ዘተ ድሕሪ ምስሓባ፣ እቲ ጀሚራቶ ዘላ ዲጋ ገና ምሉእ ብምሉእ ከይተዛዘመ፣ ካብ ናይዚ ዓመት’ዚ ክራማት ጀሚሩ ማይ ከተዕቅለሉ ክትጅምር ምዃና ድሕሪ ምግላጻ፣ ኣብ ግብጺ ከቢድ ሻቕሎት እዩ ፈጢሩ ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0