ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል 15 ግንቦት ኣብ ዝካየድ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ

Radio Erena: 10 May 2022

ፕረዚደንት ሶማል፣ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ንካልኣይ እዋን ኣብ ስልጣን ንምቕጻል፣ ሰንበት 15 ግንቦት ኣብ ዝካየድ ምርጫ ተወዳዳሪ ኮይኑ ከምዝቐርብ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ለካቲት ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ምስ ኣመሓደርቲ ዞባታት ኣብ ምርድዳእ ኣይበጻሕናን ብምባል፣ ን2 ዓመታት ብዘይምርጫ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ዝነበሮ ውጥን ብሰንኪ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞ ክስርዞ ተገዲዱ።

ዝተፈላለየ ዕንቅፋታት ዝገጠሞ ምርጫ ሶማል፣ ንተደጋጋሚ እዋናት እናተሰጋገረ፣ ድሕሪ ናይ ዓመትን ክልተ ወርሒን ምንዋሕ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፣ መናብር ናይ ኣስታት 360 ኣባላት ባይቶ ክመልእ ክኢሉ ኣሎ።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለን ብውሕዱ ክልተ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራትን ኣብ ምፍጣጥ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ኣጽቂጡ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ብ09 ግንቦት፣ ዳግማይ ክወዳደር ምዃኑ ዘፍለጠ።

ፋርማጆ፣ ኣብዚ ብውሕዱ ክልተ ፕረዚደንት ዝነበሩ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ዝሳተፍዎ ምርጫ ሶማል ንኽዕወት ብውሕዱ ናይ 184 ኣባላት ባይቶ፣ ናይ ድጋፍ ድምጺ ክረክብ ኣለዎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0