ፕረዚደንት ግብጺ ናብ ሱዳን ይበጽሕ

ፕረዚደንት ግብጺ ናብ ሱዳን ይበጽሕ

Radio Erena: 26 October 2018

Egypt Sudan

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ትማሊ 25 ጥቅምቲ ናብ ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ድሙቕ ወትሃደራዊ ኣቀባብላ ጌርሉ።

እቶም መራሕቲ፣ኣብ ርክቦም፣ ብዘይካ’ቲ ከሰሓሕቦም ኣብ ዝጸንሐ ክልትኣዊ ጉዳያት፣ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ብምትኳር’ውን ክመማየጡ ምዃኖም ኣቐዲሙ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

ንሳቶም፣ ሓያሎ ስምምዓትን መዘክራትን ክኽትሙ’ውን ትጽቢት ተነቢሩ ኣሎ።

ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ; ብ24 ጥቅምቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሾክሪ ናብ ሱዳን ንምእታው፣ ምስ ሱዳናዊ መዘንኡ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ብምምይያጥ፣ ንዝኽተሙ ውዕላትን መዘክራትን ባይታ ከምዘንጸፉ ይግለጽ።

ግብጽን ሱዳንን ብዘይካ’ዚ ዘይሰማምዓሉ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብ ዝተፈጥረ ምክፍፋል፣ ዘይተፈትሐ ጉዳያት ዶብን ኣጠቓቕማ ናይል’ውን ከሰሓሕበን ምጽንሑ ይፍለጥ።

ምትፍናን ግብጽን ሱዳንን፣ ድሕሪ ዑደት ፕረዚደንት ግብጺ ናብ ካርቱም፣ ኣብ ጥርዙ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ግብጺ ምስ ኤርትራ ብምዃን ስግኣት ትፈጥረለይ ብምባል፣ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዋስና ዶባት ካብ መጀመርያ ወርሓት ናይዚ ዓመት’ዚ ዓጽያቶ ምንባራ ይዝከር።

ይኹን’ምበር እዘን ክልተ ሃገራት ድሕሪ ዘካየድኦ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዝምድንአ ናብ ዝሓሸ ጎደና መሊሰን ይርከባ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0