ፕረዚደንት ግብጺ ነበር መሓመድ ሞርሲ ሞይቱ

Radio Erena: 18 June 2019

ፕረዚደንት ግብጺ ነበር መሓመድ ሞርሲ፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ ብሕማም ህይወቱ ከምዝሓለፈት ካብ ካይሮ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ሑስኒ ሙባረክ ብህዝባዊ ናዕቢ ድሕሪ ምዕላዉ፣ በደሞክራስያዊ ምርጫ ስልጣን ዝጨበጠ መሓመድ ሞርሲ፣ ኣብ 2013 ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣኑ ከምዝተገለፈ ይዝከር።

ሞርሲ ብሽዱሽተ ገበናት ክሲ ተመስሪቱዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ጸኒሑ። ገለ ካብኡ፣ ኣብ እዋን ህዝባዊ ናዕቢ ናይ ዝተቐትሉ ሰልፈኛታት 20 ዓመት ማእሰርቲ፣ ብስለያ ንመንግስቲ ቐጠር ንሕልፈት፣ ዝብል ይርከቦም።

እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፣ ንዕስራ ደቓይቕ ድሕሪ ምጽናሕ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝውሰደሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ሞይቱ።

መሓመድ ሞርሲ ብሕማማት ሽኮር፣ ጸላም ከብድን ኩሊትን ንነዊሕ ክሳቐይ ከምዝጸንሐ ዝገልጹ ምንጭታት ዜና’ታ ሃገር፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ሕክምናዊ ረዲኤት ተነፊጉዎ ምንባሩ ይገልጹ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን፣ ቀዳማይ ናይ ሓዘን መልእኽቱ ዘመሓላለፈ መራሒ ሃገር ኮይኑ ኣሎ። እቲ ፕረዚደንት ንመሓመድ ሞርሲ ‘ስዉእ’ ኢሉ ብምስማይ፣ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ።

ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ዝርከብዎም ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላት፣ ሞርሲ ተሓዪሩሉ ዝነበረ ኣገባብ ሰብኣውነት ዝጎዶሎ ምንባሩ ክስታት ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0