ፕረዚደንት ግብጺ፣ ድሕሪ ናይ ኣባዕተ ዓመታት ምፍጣጥ ዲፕሎማሲ ናብ ቀጠር በጺሑ

Radio Erena: 15 September 2022

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ኣብ ቀጠር ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ካብ 12 ክሳብ 14 መስከረም ኣብ ቀጠር ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ኣሚር ታሚም ቢብ ሓማድ ኣልታኒ ብምርኻብ፣ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዝሕደሰሉን ብዝያዳ ዝተረሉን ዛዕባታት ተመያይጦም።

ቀጠር፣ ብመንግስቲ ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ተቐባልነት ዘይብሉ፣ ፖለቲካዊ ውዳባ ኣሕዋት ኣስላምን ትድግፍ’ያ ብዝብል፣ ካብ 2017 ኣትሒዛ ካብ ምሕዝነት ሃገራት ዓረብ ኣብ ተነጽሎ’ያ ጸኒሓ።

ብፍላይ ስዑዲ ዓረብ፣ ህቡራት ኢማራትን ግብጺን፣ ምስ ቀጠር ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብምብታኽ ነታ ሃገር ክሳብ 2021 ኣብ ናይ ቁጠባ፣ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ከበባ ኣእትየንኣ ምንባረን ይዝከር።

ኣብ መወዳእታ 2021 ዝምድና ሃገራት ወሽመጥ ምስ ቀጠር ናብ ንቡር ንምምላስ ተበግሲ ድሕሪ ምውሳዱ፣ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት፣ ኣሚር ቀጠር ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ንፈለማ እዋኑ ናብ ግብጺን ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ዑደት ኣካይዱ።

ፕረዚደንት ግብጺ ብወገኑ፣ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ዲፕሎማስያዊ ምፍጣጥ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ቀጠር ብምምራሕ፣ ዝምድና ሃገራት ዓረብን ወሽመጥን ንምሕያል ኣብ ዘኽእል ነጥብታት ተዛትዩ።

ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብን ወሽመጥን ዝተራእየ ምስሕሓብ፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዲፕሎማስያዊ ምክፍፋል ከምዘውደቐን ኣይርሳዕን።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0