ፕረዚደንት ግብጺ፣ ምህናጽ መደበር ኑክሌር  ሃገሩ ንምቕልጣፍ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ይዝቲ

ፕረዚደንት ግብጺ፣ ምህናጽ መደበር ኑክሌር ሃገሩ ንምቕልጣፍ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ይዝቲ

Radio Erena: 17 October 2018

Al sisi and Putine

ግብጺ፣ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ክትሃንጾ መዲባ ዘሎ መደብር ኑክሌሳዊ ጸዓት ንምቕልጣፍ ዝዓለመ ርክብ ፕረዚደንታት ግብጽን ሩስያን ተኻይዱ።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ፣ ኣብ ሩስያ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ፣ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ቀዳማይ ሚኒስተሩ ዲሚትሪ መድቨደቭን ብምርኻብ፣ ኣብ ሓያሎ ክልትኣውን ዞባውን ጉዳያት ከምዝተመያየጡ ማዕከናት ዜና ካብ ክልቲኡ ወገን ሓቢረን።

ኣውራ ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ናብ ሩስያ፣ ኣብ ምኽታም ስምምዕ ምህናጽ ኑክሌሳዊ ጸዓት ግብጺ ዘተኮረ ምዃኑ ይግለጽ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ንግዳውን ቁጠባውን ምትሕግጋዝ’ውን ሓያሎ ስምምዓት ክህሉ ምዃኑ ኣፈኛ ፕረዚደንት ግብጺ ባሳም ራዲ ኣፍሊጡ።

ብ15 ጥቅምቲ ናብ ሩስያ ዘምርሐ ፕረዚደንት ሲሲ፣ ንፕረዚደንት ፑቲ ኣብ ሶቺ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ድሕሪ ምርካቡ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ሩስያን ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገርን ተዘራሪቡ ጽባሕ 18 ጥቅምቲ ናብ ሃገሩ ክምለስ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0