ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ልዕሊ ፌስቡክ ዘቕረቦ ክሲ ቤት ፍርዲ ተነጺጉ

Radio Erena: 21 October 2016

Omar Face

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ኣብ ኣየርለንድ ዝመደበሩ ጨንፈር ፌስቡክ ብዛዕባይ ኣነዋሪ ጽሑፋት ዘርጊሑ ብዝብል ንዘቕረቦ ክሲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣየርላንድ ነጺግዎ።

መርበብ ሓበሬታ ኣይሪሽ ታይምስ ብዘቕረቦ መሰረት፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ክሱ፣ ብስሙ ተጠቒሞም ናይ ፌስቡክ ሕሳባት ንዝኸፈቱ፣ ክዕጾ፣ ብዛዕባኡ መንነቱ ብዝርዝር ዝቐረበ ሓበሬታ ከኣ ክድምሰስ’ዩ ሓቲቱ።

እንተኾነ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣየርላንድ ንብምልኡ እቲ ናይ ፕረዚደንት ጅቡቲ ክስታት ነጺግዎ።

ፕረዚደንት ጉለ ንፌስቡክ ጨንፈር ኣየርላንድ ዝኸሰሰሉ ምኽንያት፣ ካብ ኣመሪካን ካናዳን ወጻኢ ናይ ዝርከብ መኽዘን ሓበሬታ (ዳታ) ናይ ፌስቡክ ኣብታ ሃገር ስለዝርከብ’ዩ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0