ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት፤ ንሚኒስተር ምክልኻልን፤ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ካብ ስልጣኖም ኣፋንዩዎም

Radio Erena: 06 March 2023

ቤት ጽሕፈት’ቲ ፕረዚደንት ብመንግስታዊ ተለቪዥን ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ምፍናው ሚኒስተር ምክልኻል ኣንጀሊና ተኒ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማሕሙድ ሰለሙን፤ ዝኾነ ዝተፈልየ ምኽንያት የብሉን ኢሉ።

ብፍላይ እዛ ካብ ስልጣን ተባሪራ ዘላ ሚኒስተር ምክልኻል ኣንጀሊና ተኒ፤ ብዓልቲ ቤት ሪክ ማቻር ብምዃና፤ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ምኽትሉን ዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ዝጀመረ ውግእ ሓድሕድ’ታ ሃገር፤ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ተሰጊኡ ይርከብ።

ስልጣን’ዞም ተባሪሮም ዘለዉ ሓለፍቲ፤ ብመን ከምዝትካእ፤ ዛጊት ብወግዒ ዝተሓበረ እኳ እንተዘየለ፤ ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ቦታ፤ ብሳልቫ ኪር ዝመርሖ ውድብ ከምዝትካእ ይንገር።

ወሃብ ቃል ሪክ ማቻር ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ብኣንጻር ስምምዕ ሰላም፤ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዝወሰዶ ውሳኔ በይናዊ እዩ ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ።

ኣብ መንጎ ሳልቫ ኪርን ሪክ ማቻርን ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ዝተወለዐ ኲናት ደቡብ ሱዳን፤ ልዕሊ 400 ሽሕ ህይወት ከምዝቐዘፈ ይፍለጥ። ክልቲኦም ወገናት ኣብ 2018 ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝፈረሙሉ፤ ስልጣን መንግስቲ ናብ ክልቲኦም ውድባት ክማቓራሕ እዮም ተራዳዲኦም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0