ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት ሻድሻይ ኣማሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ሰጕጉ

Radio Erena: 10 August 2022

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ንኣማሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ፣ ሞሰስ ማኩር ደንግ ካብ መዝነቱ ሰጕጉ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ ኣማሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ዝሰጕግ ዘሎ።

ዲየር ቶንግ ንጎር ኣብ 3 ጥሪ 2022 ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፣ ቦታኡ ተረኪቡ ዝጸንሐ ሞሰስ ማኩር ደንግ ኣብ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተሰጎጎሉ ምኽንያት ኣይተጠቕሰን።

ምክትሉ ዝነበረ ጆኒ ኦሂሳ ዳምየን፣ ካብ 4 ነሓሰ ኣትሒዙ ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኮይኑ ተመዚዙ ምህላዉ እቲ ፕረዚደንት ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ብክልተ ዓመታት ክናዋሕ ምዃኑ ዘፍለጠ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ንሽዱሽተ ኣማሓደርቲ ሃገራዊ ባንክ ሰጕጉ ኣሎ።

ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ተፈልያ፡ ኣብ ሓምለ 2011 ናጽነት ካብ ዝኣወጀት ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 11 ዓመታት፣ ፕረዚደንት ሳልቫኪር፣ 8 ሚኒስተራት ፋይናንስ ‘ውን ካብ ስልጣን ሰጕጉ።

ደቡብ ሱዳን፣ ማዕረ’ቲ ገጢሙዋ ዘሎ ቀቢላ ዝሰረቱ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ብድሆታትን ግጭታትን፣ ብልሽውናን ዝርገትን ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣብ ውድቀታ ዓቢ እጃም ኣለዎ።

እታ ሃገር፣ ናጽነታ ካብ ዝኣወጀትሉ፣ ሓደ ዓመት ከይመልአት፣ ኣብ ሰነ 2012፣ 4 ቢልዮን ዶላር ብሰበ ስልጣን መንግስቲ ከምዝተጠፋፍአ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ምውቃሱ ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0