ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ንተቓወምቲ እታ ሃገር ምሕረት ኣዊጁ

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ንተቓወምቲ እታ ሃገር ምሕረት ኣዊጁ

Radio Erena: 10 August 2018

Salva kir

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲት ፣ ሬክ ማቻር ንዝርከቦም ኩሎም ተቓወምቲ ምሕረት ከምዝኣወጀ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

እቲ ፕረዚደንት፣ ነዚ ናይ ምሕረት ኣዋጅ፣ ትማሊ 9 ነሓሰ ዘቕረበ፣ ድሕሪ’ቲ ምስ መራሒ ተቓዋሚ ሬክ ማቻርን ካልኦት ጉጅለታትን፣ ምቁራጽ ቶኽሲን ስልጣን ምምቕራሕን ዝርከቦም ስምምዓት ምኽታሞም’ዩ።

ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ተፈልያ ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን፣ ካልኣይ ዓመት ናጽነታ ከይጸንበለት ኣብ ኵናት ሓድሕድ ከምዝተጸምደት ይዝከር።

ኣብ መንጎ ካብ ዓሌት ዲንካ ዝኾነ ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ካብ ዓሌት ኑዌር ዝኾነ ምክትሉ ሬክ ማቻርን ዝተወልዐ ግጭት፣ ዓሌታዊ መልክዕ እናሓዘ ክመጽእ ብምጽንሑ፣ 10ታት ኣሽሓት ሰባት ኣህሉቑን ኣስትትታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ከኣ ኣመዛቢሉን’ዩ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ 2015 ናብ ስምምዕ በጺሖም እኳ እንተነበሩ፣ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ከይወዓለ እንደገና ናብ ግጭት ኣትዮም።

ብመንጎኝነት ኢጋድ ክካየድ ዝጸንሐት ተደጋጋሚ ጻዕርታት ክዕወት ኣይከኣለን።

ይኹን’ምበር ዝሓለፈ ቅንያት ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፣ ምቁራጽ ቶዅሲ ክትግበርን ስልጣን ክመቓራሕን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ተሰማሚዖም።

በዚ መሰረት ድማ ሬክ ማቻር ናብ ዝነብሩ መዝነት ምክትል ፕረዚደንት ክምለስ’ዩ።

ነዚ ንምትግባር ድማ’ዩ ፕረዚደንት ሳልቫኪር፣ ንኹሎም ዕጡቓት ተቓወምቲ ናብ ሰለማዊ ናብርኦም ክምለሱ ምሕረት ኣዊጁ ዘሎ።

እዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተቐልቒሉ ዘሎ ጩራ ሰላም፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣውፈርቲን ነጋዶን ዘተባብዕ ተስፋ ሂብዎም ምህላዉ ነበርቲ ጁባ ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ይገልጹ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0