ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ንሱ ኣብ ዝርከበሉ ኣጋጣሚ እንተዘይኮይኑ ሃገራዊ መዝሙር ከይዝመር ኣዚዙ

Radio Erena: 23 July 2019

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን፣ ሳልቫኪር ሚያርዲት፣ ንሱ ኣብ ዝርከበሉ ኣጋጣሚታት እንተዘይኮይኑ፣ ካልኦት ዜጋታት እታ ሃገር ሃገራዊ መዝሙር ከይዝምሩ ዝእግድ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ሚኒስተር ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ሚካኤል ማኩወ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ካልኦት ስበ ስልጣንን መራሕቲ ትካላትን ኣብ ዝርከቡ ኣጋጣሚታት፣ ሃገራዊ መዝሙር ክዝመር ምጽንሑ ብምጥቃስ፣ እዚ ድማ ንክብሪ እታ ሃገራዊ መዝሙር ዘነኣእስ ምዃኑ ገሊጹ።

ሃገራዊ መዝሙር፣ ንፕረዚደንት ጥራይ ስለዝምልከት፣ ንሱ ኣብ ዝርክከበሉ ኣጋጣሚታት ጥራይ ክዝመር ከምዘለዎ ድማ ኣስሚርሉ።

ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣብ ዝርከብሉ ኣጋጣሚ ሃገራዊ መዝሙር ክዝመር ምጽንሑ ዘመልከተ ሚኒስተር ዜና ደቡብ ሱዳን፣ እዚ ካብዚ ሓድሽ ትእዛዝ ንደሓር ደው ከምዝብል ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኪር፣ ብ19 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት’ዩ ነዚ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ሃገራዊ መዝሚር ሱዳን፣ ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነት እታ ሃገር ኣብ 2011 ዝጸደቐ’ዩ።

ትእዛዝ ፕረዚደንት ኪር ብዘይካ’ዚ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ወትሃደራዊ ልብሲ ወድዮም ኣብ ህዝባዊ ሰሚናራትን ኣኼባታት ህዝብን ከየካየዱ ኣጊዱ ኣሎ።

ነዚ ብፕረዚደንት ሳልቫኪር ተመሓላሊፉ ዘሎ ናይ እገዳ ትእዛዛት ዝጠሓሱ ዜጋታት እታ ሃገር እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ከምዝብየነሎም ዝተዋህበ ተወስኺ ሓበሬታ የለን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0