ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳንን ተቓዋሚኡን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ርክብ ኣካይዶም

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳንን ተቓዋሚኡን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ርክብ ኣካይዶም

Radio Erena: 22 June 2018

Kir Machar

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲትን ተቓዋሚኡ ሬክ ማቻርን ትማሊ 20 ሰነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፈላሚ ርክብ ኣካይዶም።

እቶም ንመስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ክዕንቕፉ ከምዝጸንሑ ዝተገልጹ ክቲኦም ወገናት ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ብኣካል ብምርኻብ ናብ ዘተ ዝቐርቡ ዘለዉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብዘቕረበሎም ሓድሽ ተበግሶ’ዩ።

ኢጋድ ብመሪሕነት ኢትዮጵያ ከተካይዶ ዝጸንሐት ጻዕርታት መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ 2015 ስምምዕ ንምኽታም ተኻኢሉ እኳ እንተነበረ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይከኣለን።

ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ምክትሉ ሬክ ማቻርን ኣብ 2013 ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ዝተጎሃሀረ ዓሌታዊ ግጭጥ ደቡብ ሱዳን 10ታት ኣሽሓት ሰባት ክቐትል እንከሎ ኣስታት 4 ሚልዮን ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ካብ መነባብርኦም ከምዘመዛበለ’ዩ ዝግለጽ።

ነቲ ግጭት ንምህዳእ ዛጊት ዝተፈተኑ ጻዕርታት ዝኾነ ፍረ ኣይሃቡን።

እዚ ብሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ሓድሽ ተበግሶ፣ ነዞም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተረሓሓቑ ክኸዱ ዝጸንሑ ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ተቓዋሚኡ ማቻርን ንምቕርራቦም ሓድሽ መድረኽ ዝኸፍት’ዩ እናተባህለ ይግለጽ ኣሎ።

መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር፣ ናብ መኣዲ ዘተ ሰላም ንኽምለስ ኣብ ልዕሊኡ ጸቕጢ ንምግባር፣ ናይ መገሻ እገዳ’ዩ ተነቢርሉ ጸኒሑ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0