ፕረዚደንት የመን ነበረ ኣብ ኢትዮጵያ ግዜያዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ተገሊጹ

ፕረዚደንት የመን ነበረ ኣብ ኢትዮጵያ ግዜያዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ተገሊጹ

Radio Erena: 06 October, 2014

Yemeni former Pres

ፕረዚደንት የመን ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፣ ኣብታ ሃገር ይካየድ ካብ ዘሎ ግጭት ሃዲሙ ኣብ ኢትዮጵያ ግዝያዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ተገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነበረ፣ ኣንጻሩ ብዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ ንሓጺር ግዜ ኣብ ኣመሪካ ተዓቝቡ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ኣብ ከተማ ሰንዓ’ዩ ክቕመጥ ጸኒሑ።

ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ’ውን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ጽልዋ ከምዘለዎ ዝግለጽ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፣ ከተማ ሰንዓ ኣብ ቁጽጽር ተቓወምቲ ሽዓ ድሕሪ ምውዳቓ፣ ጸጥታዊ ውሕስነት ክረክብ ብዘይምኽኣሉ’ዩ ኣብ ኢትዮጵያ ግዝያዊ ዑቕባ ሓቲቱ ዘሎ።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ነቲ ፕረዚደንት ነበረ ዑቕባ ክህቦ ፍቓደኛ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ ግና ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከይዋሳእ ከምዘጠንቐቖ የመኒ ኢቲሓዲ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ።

ዝምድና ኢትዮጵያን የመንን ካብ ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ ድሕሪ’ቲ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ከባቢ ንምእታው ብፕረዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ብዝቀረበ ሓሳብ ብየመን፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጥቕምቲ 2002ዝቖመ ሰንዓ ፎሮም ግና ዝምድና እዘን ክልተ ሃገራት ናብ ዝልዓለ ደረጃ’ዩ ዓሪጉ።

ሰንዓ ፎሮም ዘመዝገቦ ግብራዊ ዕማም እኳ እንተዘይነበረ፣ ኣብዚ ቀረባ መንግስቲ የመን ናብ ኤርትራ የምርሕ ንዝነበረ ሓደ ካብ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፣ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምርካቡ ዝምድና ኢትዮጵያን የመንን ሓድሽ መድረኽ ሒዙ ይርከብ።

ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ምስ ፕረዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ቅርበት ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ናብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ንምሕታት ብመንገዲ ዝተሳለጠ ክኸውን ከምዝክእል’ዩ ዝንገረሉ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0