ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበ፣ ዝቕበረሉ ቦታ ንስድራቤቱን መንግስትን የከራኽር

Radio Erena: 13 September 2019

ስድራቤት ፕረዚደንት ዚምባብዌ ነበር ሮበርት ሙጋበን መንግስቲ እታ ሃገር፣ ኣብ ጉዳይ ስነ- ስርዓት ቀብሪ ኣብ ምክርኻር ከምዘለዉ ማዕከናት ዜና ካብ ዚምባብዌ ሓቢረን።

መንግስቲ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ስነ ስርዓት ቀብሪ ‘ቲ ፕረዚደንት ነበር ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይሃቦም ዝገለጹ ስድራቤቱ፣ ብባህላዊ ኣገገባብ፣ ኣብ መበቖል ዓዱ ክቕበር’ዮም ዘልዩ።

ንዚምባብዌ ን37 ዓመታት ዝመርሐ ሮበርት ሙጋበ፣ ኣብ 6 መስከረም፣ ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድምኡ ድሕሪ ምሟቱ፣ ሬስኡ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ካብቲ ዝሕከመሉ ዝነበረ ሃገረ ሲንጋቦር ናብ ከተማ ሃራረ ኣትዩ።

ንሬሳ ሙጋበ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ወትሃደራዊ ኣቐባብላ ዝተገበረሉ መንግስቲ ዚምባብዌ፣ ብዛዕባ ስነ ስርዓት ቀብሩ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ይኹን’ምበር ፕረዚደንት ምናንጋዋ፣ ንሙጋበ ሃገራዊ ጅግና ክብል ድሕሪ ምምጓሱ፣ ሬስኡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ክዓርፍ ከምዘለዎ ጠቒሱ ኔሩ።

ሰንበት 15 መስከረም፣ ኣብ መበቆል ዓዱ ዝኾነት ቁሸት ኩቱማ፣ ስድራቤቱ ጥራይ ኣብ ዝርከብሉ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ክፍጽም ምዃኑ’ዮም ስድራቤቱ ዝጠቕሱ።

ብውሕሉል ወትሃደራዊ ዕልዋ፣ ኣብ 2017 ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ሮበርት ሙጋበ፣ ብዙሓት ዜጋታት፣ ንዚምባብዌ ንድሕሪት ዝጎተተ መላኺ’ዩ ክብልዎ እንከለዉ፣ ካልኦት ድማ ከም ሃገራዊ ጅግና ይምጉስዎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0