ፕረዚደንት ኬንያን ስድራቤቱን፣ ብሕቡእ 30 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ወፍሪ ከምዘለዎም ተቓሊዑ

Radio Erena: 06 October 2021

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ሽዱሽተ ኣባላት ስድራቤቱን፣ 30 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ወፍሪ ብሕቡእ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከምዘለዎም ተቓሊዑ።

እዚ ዝተቓልዐ፣ ፓንዶራ ፐፐርስ ወይ ማህደር ፓንዶራ ብዝብል ስያሜ፣ መራሕቲ ሃገራትን ስድራቤታቶምን ብምስጢር ዝውንንዎ ወፍሪ ይኹን ካልእ ናይ ብልሽውና ተግባራት ዘቃልዕ ሰነዳት ተዘርጊሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

እቲ ፕረዚደንትን ስድራቤቱን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ምስ ዝርከባ 13 ኩባንያታት ውልቃዊ ናይ ወፍሪ ምትእስሳር ከምዘለዎ ‘ዩ እቲ ሰነድ ዘርዚሩ።

እዚ ምስጢር ድሕሪ ምቅልዑ፣ ፕረዚደንት ኬንያታ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ከም ኣገልገልቲ ህዝቢ መጠን ዘሎና ሃብቲ ንህዝቢ ከነፍልጥ ግቡእና’ዩ፣ ካብዚ ወጻኢ ዝተረኽበ ነገር እንተሎ ግና ናብ ፍርዲ ክቐርብ ድሉው’የ ኢሉ።

ብብልሽውና ብቐዳምነት ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ኬንያ፣ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ፣ ብቐዳምነት ካብ ዝቃለሶ ጉዳያት ሓደ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ምንባሩ ይዝከር።

ማህደር ፓንዶራ፣ ብውሕዱ ምስ 14 ኩባንያታት ምትእስሳር ዘለዎ፣ 12 ሚልዮን ዝግመት ሰነዳት መራሕቲን ስድራቤታቶምን ብምስጢር ዝውንንዎ ሃብቲ፣ ካብ ቀረጽ ንምህዳም ዝሓብእዎ ንብረትን ገንዘብን ካልእ ናይ ብልሽውና ተግባራትን ኣቃሊዑ ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0