ፕረዚደንት ኣል በሽር ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

ፕረዚደንት ኣል በሽር ኣብ ቀጠር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 25 October 2017

Beshir in Qatar

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ወግዓዊ ካብ 23 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ኣብ ቀጠር ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ምህላዉ ምዕከናት ዜና ዓረብ ገሊጸን።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብዚ ናይ ቀጠር ዑደቱ ምስ ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒ ብምርኻብ፣ ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ሰላም ዳርፉርን ዝምድና ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኣተኩሩ ይዝረራብ ምህላዉ እተን ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ን20 ዓመታት ጸኒዑ ዝነበረ እግዳ ድሕሪ ምልዓላ’ዩ፣ ፕረዚደንት በሺር ፈላሚ ዑደቱ ንምክያድ ናብ ኣዶሓ ዘምርሐ።

ቀጠር ኣብ ሱዳን ልዕሊ 2 ቢልዮን ወፍሪ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ምስ ቀጠር ይኹን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘይግዒ ዘይሓዘን፣ ኣብ መንግአን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብሽምግልናን ብዕርቂን ክፍታሕ ዝጽውዕን ፕረዚደንት በሺር፣ እገዳ ሃገሩ ንኽልዓለ፣ ክልትኤን ሃገራት ምስ ኣመሪካ ብዘለወን ጥቡቕ ዝምድና ናይ ሎቢ ኣበርክቶ ክገብራ ክሓትት ምጽንሑ ይንግር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0