ፕረዚደንት ኣልበሽር ናብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ክፍጽም’ዩ

ፕረዚደንት ኣልበሽር ናብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ክፍጽም’ዩ

Radio Erena: 06 July 2017

beshir

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ሩስያዊ መዘንኡ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ናብ ሞስኮ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ተገሊጹ።

ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ኤርትራ እትርከበን ሒደት ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ ዝገይሽ ኣልበሽር ዕድመ ዘቕርበሉ ዘሎ ኣብ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ንምዝታይ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ጃምላዊ ህልቂትን ተኸሲሱ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ብይን ድሕሪ ምሕላፉ ካብ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ተነጺሉ እዩ ጸኒሑ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ኣንቢራቶ ዘላ ቁጠባዊ ማዕቀብ ኣብ 20 ዓመቱ ንክለዓል ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ውሳኔ ክትህበሉ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ እዚ ናይ ሩስያ ዕድመ ዝቐርብ ዘሎ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፣ እዚ ብመራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝቐረበ ዕድመ ንፕረዚደንት ኣልበሽር ብሓጎስ ከምዝተቐበሎ፣ ብሰኑይ 3 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዋዕላታት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሩስያ ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ብምዃን ንሱዳን ደገፋ ከምእትገልጽ ይፍለጥ።
=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0