ሕ.ሃ.፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝእንፍት ጸብጻብ ምቕራቡ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቖጢዑ

ሕ.ሃ.፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝእንፍት ጸብጻብ ምቕራቡ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቖጢዑ

Radio Erena : 10 June 2015

EriPris

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝእንፍት ጸብጻብ ብሕቡራት ሃገራት ምቕራቡ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣቖጢዑ።

ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብሰኑይ 8 ሰነይ ኣብ ዘቕረበቶ ሰፊሕ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ደዊ ሰብ ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ንዓመት ክእሰሩ ንቡር ተርእዮ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኤርትራ ብሕጊ ዘይኮነ ብፍርሕን ራዕድን እትመሓደር ሃገር’ያ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ድማ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ተሓተቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣስሚርሉ።

 

ኣብ ኤርትራ ኣስታት ምስ ፖለቲካ፣ ሃይማኖት፣ ስግረዶብ ካልእ ጉዳያትን ብዝተሓሓዝ ኣስታት 10 ሽሕ እሱራት ከምዘለዉ’ዩ ዝጥቐስ።

ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ’ውን ክብሪ ደቂ ሰብ ብዘዋርድን ብዙሕ ኣካላዊን ኣእምሮኣውን ጉድኣት ብዘስዕብን ኣገባብ ከምዝመሓደር እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ የመልክት።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፣ ብስም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብ9 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ንኤርትራ ንምጽላም ተባሂሉ ብሓያላን ሃገራት ናይ ዝተኣልመ ውዲት መቐጸልታ’ዩ ክብል ነጺግዎ።

መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ናብ ኤርትራ ከይትኣቱ ዝኸልከለ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ እታ ኮሚሽን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኮይና ዘዳለወቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስቲ መጥቃዕቲ’ዩ ክብል’ውን ጠቒስዎ።

ብባይቶ ጸጥታ ክልተ እዋን እገዳ ዝተነብረሉ መንግስቲ ኤርትራ፣ በዚ ሕጂ ቀሪብሉ ዘሎ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ካብ ሕቡራት ሃገራት እንታይ ግብረ መልሲ ክወሃቦ’ዩ ዝቕጽል ሕቶ ኮይኑ ኣሎ።

==========================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0