ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዘለዎ መርገጺ ንምንጻር ናብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ደብዳቤ ልኢኹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዘለዎ መርገጺ ንምንጻር ናብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ደብዳቤ ልኢኹ

Radio Erena: February 14, 2014

muse Issa

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዘለዎ መርገጺ ብዝምልከት ናብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቬኒ መልእኽቲ ሰዲዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ግጭት ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተወልዓሉ ናብ ፕረዚደት ሳልቫኪር ደብዳቤ ከምዝልኣኸ ብሬድዮ ኤረና ዝተገልጸ ኮይኑ፣ ድሒሩ ድማ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ንምዝርራብ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ኣስመራ ከምእተዘራረበ ይዝከር።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ዝምራሕ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ከምዝድግፍ ደጋሚሙ ምግላጹ ዝፍለጥ’ዩ።

 

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ንመራሒ ተቓዋሚ ሬክ ምሻር ብስዉር ንምርካቡ ከምዝፈተነ ሓደ ሓደ ወገናት ክጠቕሱ ጸኒሖም’ዮም።

ንመንግስቲ ሳልቫኪር ንምድጋፍ ሰራዊት ናብ ደቡብ ሱዳን ኣዋፊራ እትርከብ ኡጋንዳ ድማ፣ ንሬክ ማሻር ዝድግፍ ዝኾነ ሓይሊ ከም ጸላኢ ከምእትጥምቶ’ያ ትገልጽ።

መንግስታት ኤርትራን ኡጋንዳን ብጉዳይ ሶማል ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምፍጣጥ ዝጸንሑ እኳ እንተኾኑ፣ ሕጂ ድማ ብጉዳይ ደቡብ ሱዳን ተወሳኺ ዘይንምርድዳእ ንኸይፍጠር’ዩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ጉዳይ መርገጺኡ ንምንጻር ብመንገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ናብ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ደብዳቤ ዝልኣኸ።

መንግስቲ ኤርትራ ግዳይ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንክኸውን ብቀዳምነት ካብ ዝተዋስኡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓደ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሰቬኒ’ዩ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0