ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሶማል ታሪኻዊ ምብጻሕ የካይድ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሶማል ታሪኻዊ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 13 December 2018

Eritrean president in Somalia

 

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ሶማል ታሪኻዊ ምብጻሕ የካይድ ከምዘሎ መንግስቲ ሶማል ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብሓሙስ 13 ታሕሳስ ናብ ሞቛድሾ ኣብ ዝኣተወሉ ፕረዚደንት ሶማል ዓብዱላ መሓመድ ፋርማጆ ድሙቕ ኣቀባብላ ጌርሉ።

ንሱ ናብ ሶማል ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ፣ ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ምስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስጢራዊ ስምምዕ ከቲምካ ዝብል ወቀሳ ኣብ ዘርድሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ናብ ሶማል ወግዓዊ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ኣብዚ 27 ዓመታት ንመጀመርያ’ዩ።

ሓንሳእ ንተቓወምቲ ሓንሳእ ድማ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል እናደገፈ ተገማጣሊ መርገጺ ዝጸንሖ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ምስዚ ሓድሽ መንግስቲ ሶማል ዕርቂ ጌሩ ዘሎ መንጎኝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ’ዩ።

ሰለስቲኦም መራሕቲ፣ ኣብ ጎንደር ስሉሳዊ ርክብ ሰላም፣ ከምዘካየዱ’ውን ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ሶማል ዑደቱ ዛዚሙ ናብ ኬንያ ከቕንዕ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0