ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ህሉው ኩነታት ዘተኮረ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ልኢኹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ህሉው ኩነታት ዘተኮረ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ልኢኹ

Radio Erena: 26 February 2016

Albasu

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ህሉው ኩነታት ዘተኮረ መልእኽቲ ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ከምዝልኣኸ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

ነቲ መልእኽቲ ብደብዳቤ ዘብጽሐ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ’ዩ።

መንግስታት ኤርትራን ሱዳንን ብዘይካ’ቲ ኣብ ጉዳይ ናይል ምስ ግብጺን ኢትዮጵያን ዘሎ ዛዕባታት፣ ኣብ ጉዳያት የመንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ብኣውርኡ ከኣ ኣብ ጉዳይ እቲ ንክልቲኤን ሃገራት ዘዳውብ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳንን ጋሽ ባርካን – ብፍላይ ኣብ ዞባታት ከሰላን ተሰነይን ንዘሎ ጸጥታውን ንግዳውን ኩነታት ብቀጻሊ ከምዝዘራረብሉ ይፍለጥ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ብሃንደበት ምቕያር ናቕፋ ድሕሪ ምእዋጁ’ውን፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ኣብ ኢድ ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ዝርከብ ኣማኢት ሚልዮናት ናቕፋ ዝቕየረሉ መንገዲ ንምድናይ ቀጻሊ ርክባት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0