ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይበጽሕ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይበጽሕ

Radio Erena: 01 January 2018

Afewerki UAE

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ማዕከን ዜና ጋልፍ ሓቢሩ።

እቲ ፕረዚደንት ብሰንበት 31 ታሕሳስ 2017 ናብ ኣቡ ዳቢ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ወራስ ዓራትን ምክትል ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዝን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ተቀቢሉ ከምዘዘራረቦ እቲ ማዕከን ዜና ገሊጹ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀይሕ ባሕርን ምዕባለታት የመንን ብዝምልከት ተዘራሪቦም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ወደብ ዓሰብ፣ ናብ የመን ዝቀንዐ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋ ይፍለጥ።

 

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ካብ ታሕሳስ 2015 ክሳብ ታሕሳስ 2017 ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክበጽሕ እዚ ንሳልሳይ ኣዋኑ ኮይኑ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ብጠቕላላ ዝበጽሐን ንሃገራት ኣርባዕተ ጥራይ’የን።

በንጻር እዚ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ክልተ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ዝኾነ መራሒ ሃገር ኣይነበረን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0