ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ሕክምና ንዝርከብ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም በጺሑ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ሕክምና ንዝርከብ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም በጺሑ

Radio Erena: 08 February 2019

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ኣቡዳቢ፣ ሕክምናዊ ክንክን ንዝግበረሉ ዘሎ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም በጺሑ።

ዛጊት መንነቱ ብዘይተነጸረ ሰብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ ኣስመራ ከቢድ መጥቃዕቲ ዝወረዶ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝርከብ፣ ዛይድ ወትሃደራዊ ሆስፒታል ሕክምና ይካየደሉ ከምዘሎ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣፍሊጦም።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፣ ኣብ ቀረባ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ዝተረፈ ሕክምንኡ ክከታተል ትጽቢት ከምዘሎ ናይ ቀረባ ፈለጥቱ ይሕብሩ።

ቀንዲ ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ምብጻሕ እኳ እንተኾነ፣ ትማሊ 6 ለካቲት ንእግረ መንገዱ ምስ ወራስ ዓራት ኣቡዳቢን ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ተራኺቡ ሓጺር ርክብ ኣካይዱ’ዩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0