ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣሚር ቐጠርን ኣብ ሓያሎ ዞባዊ ጉዳያት ዝርርብ ኣካይዶም

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣሚር ቐጠርን ኣብ ሓያሎ ዞባዊ ጉዳያት ዝርርብ ኣካይዶም

Radio Erena: March 3, 2014

Isu ab Qatar

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሃማድ ቢን ካልፋ ኣልታን ብምርኻብ ኣብ ሓያሎ ዞባዊ ጉዳያት ከምእተዘራረበ ኣገልግሎት ዜና ቐጠር ሓቢሩ።

ወዲ 34 ዓመት ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ካብ ኣብኡ ስልጣን ካብ ዝርከብ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብታ ሃገር ወግዓዊ ዑደት ከካይድ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ኣብ ዑደቱ ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ሸኽ ዓብደላ ቢን ናስር ቢን ኻላፊ ኣልታኒ’ውን ብምርኻብ ተመሳሳሊ ዝዝርብ ከምዘካየደ ተገሊጹ።

 

ቐጠር፣ ንኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሓበ ሻድሻይ ዓመቱ ዝሕዝ ዘሎ ጉዳይ ሸማግሊት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ዞባውን ኣህጉራውይን ተነጽሎ ኣጋጢምዎ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ምስ ጎረባብቱ ዝምድና ንምምሳር’ውን ከም መንጎኛ ክትኮኖ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ዝምድና ናብ ንቡር ንኽምለስ’ውን ቐጠር ተበግሶ ክትወስድ ምዃና ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ቐጠር፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ገዚፍ ናይ ገንዘብ ምወላ ካብ ዝገብራ ሃገራት ዓረብ ብቐዳምነት’ያ ትጥቐስ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0