ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ኣብ ዘኽእሎ ምርጫ ክወዳደር’ዩ

Radio Erena: 05 August 2020

ካብ 1986 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ምርጫ፣ ንሰልፉ ወኪሉ ዝወዳደር እንኮ ሕጹይ ኮይኑ ከምዝቐርብ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብቲ 2021 ዝካየድ ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምግላጹ፣ ሓያሎ ተቓወምቲ ወገናት ይነቕፉ ኣለዉ።

ኣቐዲሙ፣ እቲ ምርጫ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ክስረዝ ከምዝኽእል ኣሚቱ ዝነበረ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ተመሊሱ ባዕሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ምርጫ ከምዝካየድን ንሱ ድማ መበል 6ይ ግዜኡ ከምዝወዳደርን ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዕድመ ኣብ ምርጫ ዝቐርብ ሕጹይ ተወዳዳሪ ዝግድብ ዓንቀጽ ቅዋም እታ ሃገር ከምዝስረዝ ጌሩ’ዩ።

ወዲ 75 ዓመት ዘሎ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ክሳብ 2026 ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እንተኽኢሉ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዕድመን ምንዋሕ ስልጣንን ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ’ዩ።

ኣብዚ ዞባ ብዕድመን ምንዋሕ ስልጣንን ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ዝርከብ መራሒ፣ ንጉስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃይለስላሴ ኮይኑ፣ ን44 ዓመታት ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ 83 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝሞተ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ብ34 ዓመታት ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኮይኑ፣ ብ29 ዓመታት ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0