ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ምስ ምርጫ ተተሓሒዙ ናዕብን ተቛውሞን ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እዋን፣ ንወዱ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይልታት ክኸውን ደጊሙ ሸይምዎ

Radio Erena: 21 December 2020

ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኡጋንዳ፣ ዩዌሪ ሚሴቬኒ፣ ምቅይያራት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጸጥታን ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ንሓያሎ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ክቀያይረኦም እንከሎ፣ ንወዱ ግና፣ ኣዛዚ ናይቲ፣ ኣብ ሓለዋ ፕረዚደንትን ኣባላት ቤተሰቡን ዝዋፈር ፍሉይ ሓይልታት ክኸውን ደጊሙ ሸይምዎ።

ወዲ 46 ዓመት፣ ሊዩተናንት ጀነራል ሙሆዚ ካይነርኩጋባ፣ ቦኽሪ ወዱ ንፕረዚደንት ኡጋንዳ ኮይኑ፣ ኣብ ዝተፍላለየ ጽፍሕተታ ድሕሪ ምግልጋል’ዩ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ኮይኑ’ዩ፣ ዝልዓለ ማዕረግ ረኺቡ።

ካብ 1986 ኣትሒዙ፣ ንኡጋንዳ ዝመርሕ ዘሎ ዩዌሩ ሙሴቬኒ፣ ኣብ 14 ጥሪ ክካየድ ኣብ ዝተመደበ ምርጫ፣ ደጊሙ ብምዕዋት፣ ክሳብ 40 ዓመትን ልዕሊኡን ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ መደብ ኣለዎ።

ይኹን’ምበር፣ ከም ህቡብ ድምጻዊ ቦቢ ዋይን ዝኣመሰሉ፣ ብብዝሒ መንእሰያት ደገፍቲ ዘለዎም ሕጹያት ተወዳደሪ፣ ነቲ ፕረዚደን ክብድሁ ይኽእሉ’ዮም ዝብል ግምታት ይወሃቦ።

ሓይልታት ጸጥታን ኡጋንዳ፣ እዞም ሕጹያት ተወዳደሪ ብፍላይ ድማ ቦቢ ዋይን ንዘካይዶ ጎስጓስ ንምትዕንቃፍ ኣብ ዝገብርዎ ፈተነታት፣ ደገፍቱ ናዕቢ ከጎሃህሩ ይርአዩ’ዮም።

ምስ ምንጋር ውጽኢት ምርጫ ተተሓሒዙ ድማ ኣብታ ሃገር ተወሳኺ ናዕቢን ዕግርግርን ክርአ ስለዝኽእል፣ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ፣ ሓይልታት ጸጥታኡ ኣብ ምድልዳል’ዩ ዝርከብ።

ወዲ 76 ዓመት ሙሴቭኒ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዘለዉ መራሕቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብዕድመ ዝሸምገለን፣ ብዕድመ ስልጣን ድማ ዝነውሐ ዝጸንሐን ክኸውን እንከሎ፣ ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ፣ ንልዕሊ 29 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ወዲ 74 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ዩዌሪ ሙሴቬኒን ኢሳይያስ ኣፈወቂን ሓዊስካ፣ ብውሕዱ 10 መራሕቲ ሃገራት፣ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘለዉ’ዮም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0