ፕረዚደንት ነበር ሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ፣ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ነበር ሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ፣ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 29 January 2019

ካብ 2009 ክሳብ 2011 ፕረዚደንት ሶማል ኮይኑ ዘገልገለ፣ ሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክሳተፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣቦ መንበር እስላማዊ መጋብኣያታት ሶማል ነበር ሸኽ ሸሪፍ ሸኽ ኣሕመድ፣ ኣብ 2006፣ ሓይልታት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝገጠሞም ስዕረት፣ ናብ ኤርትራ ግዒዙ ምንባሩ ይዝከር።

እንተኾነ፣ ካብ ኣስመራ ናብ ቀጠር ድሕሪ ምግዓዙ፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት መሻርኽትን ብምርድዳእ፣ ናብ መንግስቲ ሶማል ተጸንቢሩ፣ መራሒ ናይቲ መንግስቲ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ንሱ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ስልጣን ክምለስ ዝደፋፍኦ ዘሎ ምኽንያት ኣብ ዝገለጸሉ፣ ኣልሸባብ ኣብታ ሃገር ደጊሙ የስፋሕፍሕ ብምህላዉ’ዩ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ መድረኽ ይቕልቀል ምስ ምህላዉ፣ ኣብ ሶማል ንዕኡ ዝበቅዕ መሪሕነት ክህልዉ ኣለዎ በሃላ’ዩ ሸኽ ሸሪፍ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0