ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንመጀመርያ እዋኑ፣ ኣብ የመን ናይ ኮማንዶ ስርሒት ክካየድ ኣዚዙ

Radio Erena: 02 February 2017

Yemen Commando

ኣመሪካ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣልቓዒዳ ኣብ የመን ንምህዳን፣ ኣብ ማእከላይ ዞባ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ኣኽራናት ያክላ ናይ ኮማንዶ ስርሒት ከምዘካየደት ሰበ ስልጣን ዋሽንግተን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ፣ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብ29 ጥሪ ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ ወትሃደራዊ ስርሒት ኮሞንዶ፣ 14 ኣባላት ኣልቓዒዳ ከምዝተቐትሉ እቶም ሰበ ስልጣን ጠቒሶም።

ካብ ወገን ኣመሪካ፣ ሓደ ወትሃደር ክቕተል እንከሎ ሰለስተ ቆሲሎም።

እንተኾነ፣ ምንጭታት ዜና ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ኣብቲ ስርሒት፣ ቅድሚ ሕጂ ብደብዳብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ስድራቤታ ዝሰኣነት ጓል 8 ዓመት ቆልዓ እትርከቦም ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ የመልክቱ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራም ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ብቀጥታዊ ትእዛዙ፣ ፍሉያት ሓይልልታት ኣመሪካ ወትሃደራዊ ስርሒት ከካይዱ እዚ ናይ የመን ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ብትእዛዝ እቲ ፕረዚደንት፣ ከምዚ ዓይነት ናይ ኮማንዶን ፍሉያት ሓይልታትን ስርሒታት ክቕጽል ተኽእሎ ከምዘሎ’ውን ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

የመን ሓንቲ ካብተን ፕረዚደንት ትራምፕ ዜጋታተን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኣገደን ሸውዓተ ሃገራት’ያ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ዜጋታተን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ካብ ዝኣገደን ሸውዓተ እተን ሰለስተ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ’የን።

NB:- ስእሊ፣ ፋይል

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0