ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ሶማል ሃንደብታዊ ምብጻሕ ኣካይዱ

ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ሶማል ሃንደብታዊ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 26 January 2015

Turkisom

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኦርዶጋን ኣብ ሶማልያ ሃንደበታዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንጉስ ዓብደላ ናይ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምስታፉ’ዩ ትማሊ ሰንበት ብሃንድበት ናብ ከተማ ሞቛድሾ ኣምሪሑ።

ፕረዚደንት ኦርዶጋን ሞቛድሾ ኣብ ዝኣተወሉ፣ እታ ከተማ ኣብ ጽኑዕ ሓለዋን ጸጥታን ከምዝነበረት’ውን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ኣብቲ ናይ ሞቛድሾ ዑደቱ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብምርኻብ’ውን ኣብ ሰብኣዊን ካልእ ሓገዛትን ዘተኮረ ዝዝርብ ኣካይዶም።

 

ካብ 21 ክሳብ 24 ጥሪ ኣብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዑደት ዘካየደ ፕረዚደንት ኦርዶጋን፣ ዑደቱ ኣብ ሶማል ብዘካይዶ ምስጢራዊ ምብጻሕ ክዛዝሞ መዲቡ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ሞት ንጉስ ዓብደላ ብሓደ መዓልቲ ከምዝተደናጎየ’ዪ ዝግለጽ።

ዑደት ፕረዚደንት ቱርኪ ናብ ሶማል ብምስጢር ተታሒዙ እኳ እንተጸንሐ፣ ዕጡቓት ኣልሸባብ እቲ ፕረዚደንት ርክብ ከካይደሉ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ንዝተገመተ ሆቴል ኣብ መኪና ፈንጆ ብምጽዋድ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ’ውን ካብ ሞቛድሾ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ የመልክ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ኣቐድሚ ኣብ 2011’ውን ናብ ሶማል ተመሳሳሊ ዑደት ከምዘካየደ ዝዝከር ኮይኑ፣ ድሕሪ 24 ዓመታት ካብ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ወጻኢ ናብታ ሃገር ዝኣተወ መራሒ ናይ መጀመርያ’ዩ።

ድሕሪ ምምስራት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ወጻኢ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኤምባሲኣ ዝኸፈተ ናይ መጀመርያ ሃገር’ውን ቱርኪ’ያ።

ቱርኪ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግዙፍ ናይ ወፍሪ መደባት ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ሶማል ከኣ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምብርካት’ያ ትርከብ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0