ፕረዚደንት ቱርኪ ናብ ሱዳን ይበጽሕ

ፕረዚደንት ቱርኪ ናብ ሱዳን ይበጽሕ

Radio Erena: 25 December 2017

Turkey Sudan

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ብሰንበት 24 ታሕሳስ ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዳ።

ጣይብ እርዶዋን፣ ካብ 2003 ክሳብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበረሉ ይኹን፣ ካብ 2014 ድማ ፕረዚደንት ቱርኪ ካብ ዝኸውን ናብ ሱዳን ክበጽሕ ኣብዚ 14 ዓመታት ንፈለማ እዋኑ’ዩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝጸንሐ ዝምድና ብዝያዳ ንምዕማቑ ምዃኑ ኣምባሳደር ቱርኪ ኣብ ሱዳን ዶክተር ኢርፋን ገሊጹ።

እንተኾነ፣ እቲ ፕረዚደንት ናብ ሱዳን ዝበጽሕ ዘሎ፣ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ምስ ስዑዲ ይኹን ምስ ቀጠር ጸግዒ ብዘይምሓዛ ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ሱዳን ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ብስዑዲ ዓረብ ጸቕጢ ይግበረላ እኳ እንተሎ፣ እታ ሃገር ግና ምስ ቀጠር ዘለዋ ታሪኻዊ ዝምድና ከምዘይትበትኽን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓብ ከኣ ብሽምግልናን ዕርቅን ጥራይ ክፍታሕ ዝብል መርገጺ’ያ ሒዛ።

ምስ ቀጠር ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ቱርኪ፣ ከም ናይ ሱዳን ተመሳሳሊ መርገጺ እኳ እንተሓዘት፣ ስዑዲ ዓረብ ግና ቱርኪ ምስ ቀጠር ከምዝወገነት’ያ ትወቕሳ።

ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶዋን ኣብ ካርቱም ድሕሪ ምእታው፣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚን ውሳኔ ምምሕዳር ትራም ኣብ ከተማ ኢዮርሳሌምን ብዝምልከት ከምዝተመያየጡ’ውን ዲፕሎማስያውና ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ንሃገራት ወሽመት ዓረንን ሃገራት እስላምን ኣብ ዘይምርድዳእ ሸሚሙ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ድሕሪ’ዚ ናይ ሱዳን ዑደቱ ናብ ኒጀርን ቱኒዝያን’ውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ክፍጽም’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0