ፕረዚደንት ቱርኪ፣ ናብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሕ ‘ዩ

Radio Erena: 18 October 2021

ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዱዋን፣ ናብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሕ ምዃኑ ጋዜጣ ኣል ሑርያት ገሊጻ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ዑደቱ ኣብ 18 ጥቅምቲ ብኣንጎላ ጀሚሩ፣ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ናብ ናይጀርያን ቶጎን ክበጽሕ’ዩ።

ዕላማ ዑደት ፕረዚደንት ቱርኪ ናብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ንግዲ፣ ወፍሪን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ እግራ ኣንቢራ ዘላ ቱርኪ፣ ብፍላይ ምስተን ዓበይቲ ስትራቴጂያውያን እትብለን ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ዝምድናኣ ንምዕባይ’ያ ትሰርሕ ዘላ።

ኣብ ሶማል ወትሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ቱርኪ፣ ንኢትዮጵያን ሞሮኮን’ውን ድሮን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ንዋት ትሸይጥ ምህላዋ ይግለጽ።

ቱርኪ፣ ምስ ቀጠር ብምዃን ኣብ ወደብ ስዋኪን ናይ ሱዳን፣ ወትሃደራዊ መደበር ብምህናጽ፣ ህላዌኣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምውሓስ መደብ’ውን ኔሩዋ’ዩ።

እንተኾነ እቲ መደብ ምስ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ተሰናኺሉ ይርከብ።

ምስፍሕፋሕ ቱርኪ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘስግኣ ግብጺ፣ ብፍላይ ምስተን ከም ቀንዲ መተሃላልኽታ እትርእየን ኢትዮጵያን ሞሮኮን ዝካየድ ዘሎ መሸጣ ድሮንን ካልእ ወትሃደራዊ ንዋትን ደው ክብል ከምዝሓተተት መርበብ ሓበሬታ Egypt Independent ኣቃሊሑ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0