ፕረዚደንት ባይደን፣ ኣብ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን ንዝሳተፉ 49 መራሕቲ ዕድመ ልኢኹ

Radio Erena: 24 November 2022

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ጆ ባይደን፣ ኣብቲ ካብ 13 ክሳብ 15 ታሕሳስ 2022፣ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝካየድ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን ንዝሳተፉ መራሕቲ ወግዓዊ ዕድመ ልኢኹ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ናብ 49 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ወግዓዊ ዕድመ ከምዝልኣኸ ዲፕሎማሰኛታት ጠቒሶም።

መራሕቲ ሱዳን፣ ቡርኪናፋሶ፣ ማሊን ጊኒን፣ ምምሕዳር ባይደን ካብቲ ዋዕላ ዝነጸሎም ኣርባዕተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ’ዮም።

ምምሕዳር ባይደን ንኩለን እተን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዘይተኣገዳ፣ ኣመሪካ ከም ሉኣላውያን ሃገራት እትፈልጠንን፣ ኤምባሲታት ዝተለዋወጠትለንን ሃገራት ኣፍሪቃ ዕድመ ከምዘቕረበ’ዩ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ተነጺሉ ዝርከብ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብቶም ካብዚ ዋዕላ ክበኹሩ’ዮም ተባሂሎም ዝተገመቱ መራሕቲ ሓደ’ዩ።

ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ኣብ ዕድላት ወፍሪ፣ ንግዲ፣ ቁጠባ፣ ጸጥታ፣ ድሕነት፣ ብቑዕ ምሕደራ፣ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት፣ ደሞክራሲ፣ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ፣ ክሌማዊ ለውጢን ኣብ ዝብሉ ዓበይቲ ግሎባዊ ዛዕባታት ክዝትዩ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0