ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 24 November 2017

Russia Sudan

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ሩስያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ትማሊ ሓሙስ 23 ሕዳር ናብ ሩስያ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ቭላድሚር ፑቲን ብምርኻብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ከምዝዘተየ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ሞስኮ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት በሺር ኣብቲ ምስ ፑቲን ዝገበሮ ዝርርብ፣ ሩስያ ኣብ ጉዳያት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ብንጥፈት ክትዋሳእ ከምዝሓተተ’ውን እቶም ዲፕሎማሰኛታት ኣመልኪቶም።

ብዘይካ’ዚ ፕረዚደንት በሽር፣ ሃገሩ ምስ ሩስያ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ክትተሓጋገዝ ከምእትደሊ ምግላጹ ተሓቢሩ።

ምስ ምኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርጌ ሾይጉ’ውን ዝርርብ ዘካየደ ፕረዚደንት በሽር፣ ሱዳን ዘመናዊ ኣጽዋር ንምዕጣቕ መዲባ ከምዘላ ብምሕባር፣ ኣብዚ መዳይ እዚ፣ ሩስያ ኣገዳሲት ምዃና ኣስሚርሉ።

ፕረዚደንት ፑቲን ብወገኑ፣ ሩስያ ምስ ሱዳን ብዘይካ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ፣ ኣብ ጽላታት ጸዓትን ሕርሻን’ውን ክትተሓባበር ድሌት ከምዘለዋ ንፕረዚደንት በሺር ከምዝገለጸሉ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይጠቅስ።

ሱዳን፣ ኣመሪካ ንእትገብረላ ጸቕጢ፣ ሩስያ ክትከላኸለላ ብተደጋጋሚ ክትሓትት ምጽናሓ ይግለጽ።

ፕረዚደንት በሺር፣ ኣብ 1989 ብወትሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ፣ ኣብዚ 28 ዓመታት ንፈለማ እውኑ’ዩ ናብ ሩስያ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0